ብስልቲ ቐዳምነት ዝወሃቦም ነገራት

ናይ OEO ሓጋጊ ተልእኾ ነቲ ኣብ ዕድላት ዘሎ ኣፈላላይ ምንካይ ኢዩ። እቲ ስትራተጅያዊ መደብና ነቲ ጎንፂ ንምፍታሕ ዘሎና ድሩት ዓቕሚ ንኣብነት ከም ናይ ዘይወግዓዊ ሞንጎኛነትን ምልምማድን ዝኣመሰለ ነገራት ብምትኳር ነቲ ናይ ኣጋጣሚ ኽፍተት ምንካይ ቀዳምነት ይህብ፣ ኣብ ዝስዕቡ K-12 ተማሃሮ፦

  • እቶም ብኸፊል ትምህርቲ ዝመሃሩ ስንክልና ዘለዎም ተመሃሮ ሓዊሱ ካብ ቤት ትምህርቲ ወጻዒ
  • ሕብሪ ዘለዎም ሰባት፣ ጸለምቲ ወይ ደቀባት 
  • ቤት ኣልቦነት ዘጋጠሞ
  • አብ ትሕቲ ክንክን ዘመድ ወይ መዕበዪ ቖልኡ ዘለዉ 
  • ምስ ፍትሒ መንእሰያት ወይ ምስ ስርዓት ዳግመ ተሃድሶ መንእሰያት እተተሓሓዙ
  • መጻዕተኛታት፣ ስደተኛታት፣ ጽግዕተኛታት፣ ወይ አብ ስደት ዘለዉ ወይ ከኣ ቀንዲ ቛንቋኦም እንግሊዝኛ ዘይኰነ ተመሃሮ ወይ ስድራ ቤታት
  • ምስ ጽዑቕ ኣገልግሎታት ዝተጠቕለለ (WISe) ወይ ምስ ናይ ቈልዑ ነባሪ ናይ ሕሙማት ፕሮግራማት (CLIP) እተተሓሓዘ ደገፍ ምቕባል፣ ወይ
  • ጾታ ዝቐየሩ ወይ ካብ ኽልቲኡ ጾታ ወጻዒ ዝኾኑ መናእሰያት