ብዛዕባና

ኣብ 2006፣ ዋሺንግተን ስቴት ለጂስሌቸር ኣዋጅ 3127 ብምሕላፍ
ኣብ መንጎ ስድራቤታት፥ ተመሃሮ፥ መማህራንን ኮማትን ዘሎ
መራዳእታ ስርዓት ትምህርቲ k-12 ናይ ዕድላት ጋግን ብሓባር
ሽግራት ንምፍታሕን ብዝብል ዕላማ ቤት-ጽሕፈት ናይ ትምህርቲ
ተሓላቒ (OEO) ሃኒጹ። እቲ ሓጋጊ ኣካል መታን ካብ ህዝባዊ
ትምህርቲ ነጻ ክንከውን ብምባል እዩ ኣብ ቤት ጽሕፈት ኣመሓዳሪ
ከም እንኣቱ ጌሩና።

ውሱን ጸጋታትን ቀዳምነት ሓገዝ ኦምቡድስ ናብ ውሽጢ
ስትራቴጂካዊ ውጥንና ከምኡውን ከም መጠን ብሓባር
ተመኲሮ ሽግር ተመሃሮ ዝፈትሑ ኣካላት ኣወንታዊ ጽልዋ
መታን ክህልወና። OEO ብደረጃ ስቴት ምስ ሸውዓተ ዘይመልኡ ምሉእ ግዜኦም
ዝሰርሑ ሒደት ሰራሕተኛታት ይዓዪ።

ናትና ግደ

1. ስክፍታታት ምስማዕን ብዛዕባ ካብ መዋእለ ህጻናት -
12 ክፍሊ ዘሎ ህዝባዊ ስርዓተ ትምህርቲ ሕቶታት
ምምላስን
2. ናይ ዘይወግዓዊ ምፍታሕ ግርጭታት መሳርሒታት
ብምጥቃም ምድጋፍ ናይ ብምትሕብባር ጸገማት
ምፍታሕን ምዕባይ ትምህርታዊ ፍትሕን
3. ምድላው ልምምድ፣ ምስላጥን፣ ስልጠናን ብዛዕባ
ስድራቤትን ሕብረተሰባትን ተሳትፎን ስርዓተ
ጥብቅናን
4. ናትና ለበዋታት ትምህርታዊ ፖሊሲ ንምምራሕ
ሓበሬታ ወይ ዳታ ምእካብን ኣንፈታት ምልላይን