ውጥን ምምላስ ናብ ቤት-ትምህርቲ ንናይ ርሕቀት ትምህርቲ

ውጥን ምምላስ ናብ ቤት-ትምህርቲ ንናይ ርሕቀት ትምህርቲ

እዚ ዝርዝር'ዚ ውጥናት ብሓባር ኮይኖም ንምውጻእ ንስድራቤታትን ጉጅለታት ቤት-ትምህርትን እዩ። መብዛሕትአን ስድራቤታት ኩሎም እዞም ነገራት እዚኦም ድሮ ተዋዲዶምለን የለዉን፡ ግን ኣብያተ-ትምህርቲ ገለ ካብዞም ነገራት እዚኦም ንምክፋል ድሉው ኮይኑለን ክህሉ ኣለዎ ከምኡ ድማ ንካልእ ኮማዊ ምንጭታት ዝኸውን ሓሳባት ክህልወን ኣለዎ።

መሰረታዊ ኣድለይቲ ነገራት

  • ውሑስ ስፍራ ንትምህርቲ
    • ኮፍ ክትብለሉ ምቹእ ዝኾነ ቦታ
    • ጠረቤዛ ወይ ጣዋላ
    • ድሩት ኣቓልቦ ዝሰርቁ ነገራት
  • ምግብታት ኣብ እዋን ናይ ቤት-ትምህርቲ መዓልቲ፥ ቁርሲ፡ ምሳሕን፡ ጠዓሞትን

ናይ ዓቢ ሰብ ደገፍ

  • ናይ ቤት-ትምህርቲ ምግብታት ምድላውን ምቊጽጻርን
  • መዓልታዊ መደብ-ግዜ ዓቅቡ (ምጅማር ትምህርትታት፡ ናጻ ስራህ ምስራሕ)
  • መሳርሒኹም ኣዋድዱ (ታብለት፡ ኮምፕዩተር፡ ኣፓት)
  • ደገፍ ኣብ እዋን ቀጥታዊ ትምህርቲ፡ ዘድሊ እንተኾነይ
  • ደገፍ ኣብ እዋን ናጻ ስራሕ
  • ደገፍ ንዓበይቲ ሰባት ብዛዕባ ከመይ ገይርካ ናይ ትምህርትን ባህርን ደገፋት ኣብ እዋን ናይ ርሕቀት ትምህርቲ ትህብ

መዘኻኸሪታት

ተምሃሮ ልክዕ ከምቲ ስድራቤታት ዝተፈላለዩ መጠናት ከቕርቡ ዝኽእሉ ዝተፈላለዩ መጠናት ደገፍ ከድልዮም እዩ። መምሃራንን ኣብያተ-ትምህርትን እንታይ ደገፋት ክህቡ ይኽእሉ፧ ናይ ኣካል ናይ ዓቢ ሰብ ደገፍ ዘድልየሉ መኣስ'ዩ፧ እዚ መኣስን ኣበይን ይርከብ፧ እቲ ናይ ቤት-ትምህርቲ መደብ-ግዜ ምስ ናይ ስድራቤት ጸጋታትን ድሌታትን ንኽሳነ ከመይ ገይርካ ክህነጽ ይኽእል፧

ናይ ትምህርቲ መሳርሒታትን መስመር ኢንተርነትን

  • ሓንቲ መሳርሒት ንነፍስ ወከፍ ተምሃራይ
    • መጒልሕ-ድምጺ (ንምዝራብ) ከምኡ ድማ ስፒከር/መስምዒ እዝኒ (ንምስማዕ)
    • ካሜራ (ኣብ ናይ ቪድዮ ትምህርትታት ንምስታፍ)
    • ኪቦርድ (ሰሌዳ-መፋትሕ)፡ ማውዝ፡ ካልእ ዝሰማማዕ መሳርሒ
  • ናብ ልዑል ፍጥነት ዘለዎ ም መስመር ኢንተርነት ምልጋብ
  • ኣብ መሳርሒት ዝጽዓኑ ናይ ትምህርቲ ኣፓትን ፕሮግራማትን
  • ምውዳድ ሕሳባትን ፓስዎርድታትን (ቃላት-ይሕለፍ)
  • ስልጠና ንተምሃራይን ስድራቤትን ብዛዕባ ከመይ ገይሮም ንነፍስ ወከፍ ፕሮግራም ከምዝጥቀምሉ
  • ናይ ተክኖሎጂ ደገፍ ናይ ተጸዋዒ ሰብ ናይ ርክብ ሓበሬታ ንቤት-ትምህርትን ዲስትሪክትን

መዘኻኸሪታት

እንተድኣ እቲ/ታ ተምሃራይ መሳርሒትን ዘተኣማምን ኢንተርነትን ዘይብሉ ኾይኑ፡ ብስሩዕ ንምርድዳእን ናይ ትምህርቲ ናውቲ ንምልውዋጥን ካልእ መንገድታት ኣብ ግምት ኣእትዉ፡ ከም ብተሌፎን፡ ማሕበራዊ ርሕቀት ዝሕልዉ ምብጻሓት፡ ብኣካል ከይድካ ምውሳድን ምብጻሕን ናውትታት፡ ወይ ብፖስታ
እንተድኣ ከምኡ ምግባር ነታ ስድራቤት፡ ተምሃራይን፡ ሰራሕተኛታትን ውሑስ ኮይኑ ገሊአን ዲስትሪክታት (ወረዳታት) ገለ ናይ ኣካል ኣገልግሎታት ክህባ ይኽእላ እየን።

ካልእ ናይ ቤት-ትምህርቲ ቀረባት

  • ቢሮ፡ ርሳስ፡ ወረቐት
  • ሓታሚትን ናይ ቀለም እየርን (እንተድኣ ሕትመት ዝድለ ኾይኑ)
  • ናይ ስእሊ ቀረባት
  • ናይ ፕሮጀክት ስነ-ፍልጠት ቀረባት
  • ናይ Physical Education (PE, ኣካላዊ ትምህርቲ) ስፍራ ንንጥፈትን ቀረባትን

ውጥን ንበብውልቂ ዝውሃቡን፡ ፍሉያት ከምዝኾኑ ዝተገብሩን ደገፋት

  • ንIEP (በብውልቂ ዝውሃብ ውጥን ትምህርቲ) ወይ Section 504 Plan ምውጣንን ምምላእን
  • ውጥን ንምቕራብ English Language instruction (ELL, ኣስተምህሮ ቋንቋ እንግሊዝ)
  • ውጥን ንምቕራብ ናይ Learning Assistance Program (LAP, ፕሮግራም ሓገዝ ትምህርቲ) ደገፋት (ናይ ግሊ ወይ ናይ ንእሽቶ ጉጅለ ደገፋት ንኣካዳምያዊ ትምህርቲ ከምኡ ድማ/ወይ ባህሪ)
  • ውጥን ንካልእ በብውልቂ ዝውሃቡን፡ ፍሉያት ከምዝኾኑ ዝተገብሩን ደገፋት

መዘኻኸሪታት

ቆልዓኹም ነዞም ዝስዕቡ ደገፋት ዝግበረሉ እንተኾይኑ ኣቐዲምካ ምውጣን፥ ፍሉይ ትምህርቲ፣ ውልቃዊ ርዕመታት/ለውጥታት፣ ተመሃሮ ቋንቋ እንግሊዝ፣ ተወሳኺ ሓገዝ ኣብ ምንባብ፡ ምጽሓፍ፡ ቁጽሪ፡ ወይ ባህሪ፣ ገዛ-ኣልቦነት፣ ከምኡ ድማ/ወይ ናብዮት ኣብ መዕበይቲ ቆልዓ። እንተድኣ ከምኡ ምግባር ነታ ስድራቤት፡ ተምሃራይን፡ ናይ ቤት-ትምህርቲ ሰራሕተኛታትን ውሑስ ኮይኑ፡ ገለ ናይ ብኣካል ዝግበሩ ደገፋት ኣብቲ ውጥን ክተጠቓልሉ ክትክእሉ ኢኹም።

ውጥን ርክብ/ምርድዳእ

  • ናይ ተጸዋዒ ሰብ ሓበሬታ ንርእሰ-መምሃራን፡ ኣማኻሪ ቤት-ትምህርቲ፡ ካልእ ቀንዲ ተጸዋዕቲ ሰባት
  • ውጥን ንስሩዕ ተመዝጊብካ ምእታዋት 
    • ተምዝጊብካ ምእታው ኣብ መንጎ መምህርን ተምሃራይን
    • ተምዝጊብካ ምእታው ኣብ መንጎ መምህር ከምኡ ድማ ወላዲ/ኣላዪ
  • ናይ ተጸዋዒ ሰብ ሓበሬታ ርክብ ንመስመር ኣስተርጓሚ ከምኡ ድማ ድርብ ቋንቋዊ ሰራሕተኛታት፡ ዘድሊ እንተኾይኑ
  • ውጥን ብዛዕባ እቲ ቤት-ትምህርቲ ዝተተርጎሙ ሓበሬታ ምቕራብ (ኢመይላት፡ ናይ ተሌፎን ጽሑፍ መልእኽትታት፡ ናይ ስራህ ቤት-ትምህርቲ መምርሒታት)፡ ኣድላዪ እንተኾይኑ

መዓልታውን ሰሙናውን መደብ-ግዜ

  • ዝርአ መደብ ግዜ ኣብት መንደቕ ወይ ኣብ ፍርጅ ዝጥቅዕ
  • ኦንላይን መደብ-ግዜ (ኣብ ካላንደር ምቕማጥን መዘኻኸሪታት ምውዳድን)
  • ውጥን ንበብውልቂ ዝውሃቡ ደገፋት፡ ከም ፍሉይ ትምህርቲ፡ English Learner services (ተምሃራይ ቋንቋ እንግሊዝ)፡ ወዘተ ዝኣመሰሉ።

ኣተባብዕትን ዓስብታትን ናይ ምምሃር

  • ውልቃዊ ምትእስሳራት/ዝምድናታት
  • ኣብ መንጎ መምህርን ተምሃራይን ምትእስሳር ምህናጽ
  • ዕድላት ንናይ መዘና ምትእስሳራት
  • ኣሳተፍቲ፡ ትርጉም ዘለዎም ትምህርታትን ንጥፈታትን
  • ዝተዛዘመ ኦዮ ወይ ስራህ ንምጽንባል ኣማራጺታት ናይ ዝተፈትዉ ንጥፍታት ወይ ግብጃ

ክንክን ኣእምሮኣዊ ጥዕና ንተምሃራይን ስድራቤትን

  • ንጥፈታት ንምድጋፍ ኣእምሮኣዉን ኣካላውን ጥዕና
  • ሓበሬታ ርክብ ንህሉዋት ሓኻይም ኣእምሮኣዊ ጥዕና
  • ቁጽርታት ተሌፎን ንናይ ነፍስ ወከፍ ካውንቲ MentalHealth Crisis Line (መስመር ቅልውላው ኣእምሮኣዊ ጥዕና) ኣብዚ ዝስዕብ ርኸቡ፥: https://www.hca.wa.gov/health-care-services-supports/behavioral-health-recovery/mental-health-crisis-lines
  • ናይ ተጸዋዒ ሰብ ሓበሬታ ርክብ ንኣማኻሪ ቤት-ትምህርትን ናይ ቤት-ትምህርቲ ኣገልግሎታት ኣእምሮኣዊ ጥዕናን
  • እቲ ቤት-ትምህርቲ ወይ ዲስትሪክት ከቕርቦም ዝኽእል ዝኾኑ ናውትታት ንማሕበራዊ ስምዒታዊ ትምህርቲ

መዘኻኸሪታት

ካብቲ ናይ Washington State Coronavirus Response (ናይ ክፍለሃገር ዋሽንግተን ግብረመልሲ ንኮሮናቫይረስ) መርበብ-ሓበሬታ፥ እንተድኣ ብሰንኪ COVID-19 ዝያዳ ጭንቀት ይስምዓኩም ኣሎ ኾይኑ፡ ንደገፍን ምንጭታትን ናብ 833-681-0211 ደውሉ። ምንጭታት ንኣእምሮኣውን ስምዒታውን ጥዕና ንምርካብ ናብ ናይ Washington State Coronavirus Response (ናይ ክፍለሃገር ዋሽንግተን ግብረመልሲ ንኮሮናቫይረስ) ገጽ መርበብ-ሓበሬታ ብጽሑ፥