ፍሉይ ትምህርቲ እንታይ ማለት እዩ?

ፍሉይ ትምህርቲ እንታይ ማለት እዩ?

ስንክልና እንታይ እዩ?

 “ስንክልና ባህርያዊ ኣካል ተመኩሮ ወዲ ሰብ ኮይኑ፣ ብዝኾነ ይኹን መገዲ ውልቀሰባት ኣብ ሕብረተሰብ ናይ ምስታፍ ወይ ኣበርክቶ ናይ ምግባር መሰል ዘጉድል ኣይኮነን።”

-- Individuals with Disabilities Education Act (ሕጊ ትምህርቲ ንስንኩላን ውልቀሰባት)፣  20 U.S.C. §1400(c)

ሰባት፣ ከምኡ’ውን ሕግታትና፣ “ስንክልና” ዝገልጹሉ ብዙሕ ዝተፈላለየ መንገድታት ኣሎ።

ብዛዕባ ስንክልና ብዙሕ ዝተፈላለየ ባህላዊ ኣረኣእያታት እውን ኣሎ፣ ከምኡዉን ብዛዕባ ስንክልና ዘለና ርድኢት ምስ ግዜ ተቐይሩ እዩ። One Out of Five: Disability History and Pride Project (ሓደ ካብ ሓሙሽተፕሮጀክት ታሪኽ ስንክልናን ትምክሕቲን) ዝያዳ ታሪኽ ስንክልናን ምምዕባል ኣወንታዊ መንነት ስንክልናን ንምፍላጥ ዝሕግዙ ንዋት ተመልከት።

ኣብ መንግስታዊ ኣብያተ ትምህርቲ ንዝርከቡ ተማሃሮ፣ ክልተ ሕግታት ፌደራል - Individuals with Disabilities Education Act፣ ወይ “IDEA” ከምኡ’ውን ዓንቀጽ 504 Rehabilitation Act (ሕጊ ተሃድሶ)፣ ወይ “ክፍሊ 504” – ንጉድኣት ኣካል ዘለዎም ተማሃሮ መሰላትን ሓለዋን ይህቡ። ነፍሲ ወከፍ እዞም ሕግታት ስንክልና ዘለዎ ህጻን እተፈላለዩ መግለጺ የጠቓልሉ።

IDEA ትርጉም ስንክልና

እቲ IDEA ብቑዓት ተማሃሮ Individualized Education Program (IEP, ውልቃዊ መደብ ትምህርቲ) ክወስዱ መሰል ይህቦም። “ስንክልና ዘለዎ ህጻን” ፣ ከም ሓደ ህጻን እተገምገመን ከምኡውን ከምዚ ዝስዕብ ዝተረኽቦ ገይሩ ይገልጾ፤

  • ሓደ ካብዞም 14 ፍሉያት ምድባት ስንክልና ከም ዘለዎ፣ ከምኡውን...
  • ብሰንኪ እቲ ስንክልናን ኣሉታዊ ጽልዋ ኣብ ትምህርትን
  • ፍሉይ ትምህርቲን ተዛመድቲ ኣገልግሎታትን የድልዮ።

 ኣብ ግዝኣት ዋሽንግተን፣ ምድባት ስንክልናን ንነፍሲ ወከፍ ዝምልከት ፍሉይ ትርጉምን፣ ኣብ ደንቢ ግዝኣትና፣ Washington Administrative Code (ምምሕዳራዊ ሕጊ ዋሽንግተን)፣ ኣብ ተዘርዚሩ ኣሎ። WAC 392-172A-01035

ንሳቶም ድማ ነዞም ዝስዕቡ የጠቓልሉ፤

  • ኣዉቲዝም
  • ጸማም ዕውርነት
  • ጸማም ምዃን
  • ዕቤታዊ ምድንጓይ
  • ስምዒታዊ/ባህርያዊ ስንክልና
  • ናይ ምስማዕ ኣጸጋሚ
  • ናይ ኣእምሮ ስንክልና
  • ብዙሕ ስንክልናታት
  • ምጉዳል ኣካላት
  • ካልእ ናይ ጥዕና ምጉዳል
  • ፍሉይ ናይ ትምህርቲ ስንክልና
  • ናይ ምዝራብ ወይ ቋንቋ ምጉዳል
  • ስንባደ ዝፈጥር መጉዳእቲ ሓንጎል
  • ዕውርነት ሓዊሱ ናይ ምርኣይ ምጉዳል

ነፍሲ ወከፍ ካብዞም ምድባት ኣብ ሕግታት ፍሉይ ትምህርቲ ፍሉይ ትርጉም ኣለዎም። ሓደ ቆልዓ ኣብ ውሽጢ ሓደ ካብዞም ምድባት ዝኣቱ ስንክልና ክህልዎ ይኽእል ድዩ ኢልካ ትሓስብ እንተኾንካ ነቶም ፍሉያት ትርጉማት ከተንብቦም ወይ ሓደ ሰብ ምሳኻ ብሚኻን ክግምግሞም ምሕታት ጽቡቕ ሓሳብ እዩ። እቶም ትርጉማት ብኢንተርነት ኣብ  WAC 392-172A-01035, ኣብ https://apps.leg.wa.gov/WAC/default.aspx?cite=392-172A&full=true#392-172A-01035 ርከቡ እዮም።

ሓደ ህጻን ሓደ ካብቶም ኣብ IDEA ዝተገልጹ ስንክልናታት እንተሃልይዎ ግን “ተዛማዲ ኣገልግሎት” ወይ “መዕረፊ” ጥራይ እምበር “ፍሉይ ትምህርቲ” ዘድልዮ እንተኾይኑ ስለዚ እቲ ተማሃራይ ንIEP ብቑዕ ኣይክኸውንን እዩ ግን ናይ ክፍሊ 504 ውጥን ከድልዮ ይኽእል።

ክፍሊ 504 ትርጉም ስንክልና

ክፍሊ 504 ኣውራጃታት ቤት ትምህርቲ ኣብ ልዕሊ ስንኩላን ኣድልዎ ከይገብሩ ይኽልክል። ኣውራጃታት ንሓደ ተማሃራይ ብማዕረ ትምህርቲ ንኽረክብ ዘድልዮ ፍሉይ ትምህርቲ፣ መንበሪ፣ ኣገልግሎት ወይ ደገፍ ክህባ ይጠልብ። ንሓደ ስንክልና ዘለዎ ተማሃራይ ከም ሓደ ተማሃራይ ምስ እዞም ዝስዕቡ ነገራት ይገልጾ፣

  • ሓደ ኣካላዊ ወይ ኣእምሮኣዊ ጎድለት
  • ነቶም
  • ሓደ ወይ ልዕሊኡ ዓበይቲ ናይ ሂይወት ንጥፈታት ገደብ ዝገብር

ብዛዕባ ክፍሊ 504 ዝያዳ ሓበሬታ ኣብ FAQs U.S. Department of Education’s Office for Civil Rights (OCR፣ መርበብ ሓበሬታ ቤት ጽሕፈት ሲቪላዊ መሰላት ክፍሊ ትምህርቲ ኣሜሪካ) ዝተዘርግሐ ስብስብ ሕቶታት ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም፣ ኣብዚ፣  https://www2.ed.gov/about/offices/list/ocr/504faq.html.

OCR ብተወሳኺ “ሲቪላዊ መሰላት ሕቡእ ስንክልና ዘለዎም ተማሃሮ ብመሰረት ዓንቀጽ 504 Rehabilitation Act (ሕጊ ተሃድሶ) 1973” ዝምልከት ሓበሬታ ኣብ ኢንተርነት  https://www2.ed.gov/about/offices/list/ocr/docs/hq5269.htmlይርከብ።”  ንኻልኦት ብቐሊሉ ዘይርኣዩ ግን ከኣ ኣብ ቤት ትምህርቲ ንዘሎ ተማሃራይ ጽልዋ ከሕድሩ ዝኽእሉ ዝተፈላለዩ ኩነታት ይገልጽ። 

ኣብ መንጎ IDEAን ክፍሊ 504ን ዘሎ ርክብ እንታይ እዩ?

Diagram of three concentric circles.  The largest circle represents all students.  Within it is a smaller circle representing 504 eligible students.  Within that is the smallest circle representing IDEA eligible students.

ኩሎም ተምሃሮ

504 ብቑዓት

IDEA ብቑዕ

ብመሰረት ክልቲኡ ሕግታት፣ ኣውራጃታት ቤት ትምህርቲ ንኣካለ ስንኩላን ተማሃሮ Free Appropriate Public Education (ነጻ ግቡእ ህዝባዊ ትምህርቲ) FAPE ተባሂሉ ዝጽዋዕ፣ ክህባ ይግደዳ እየን።  እዚ ማለት ኣውራጃታት ብሰንኪ ስንክልና ኣብ ቤት ትምህርቲ ንኽዕወቱ ዝሽገሩ ተማሃሮ ውልቃዊ ድሌታት ንምምላእ ዝተፈላለየ ኣገልግሎታት ክህባ ኣለወን ማለት እዩ።

ክፍሊ 504 ካብ IDEA ንላዕሊ ሰፊሕ ትርጉም “ስንክልና” ስለዘለዎ ንዝሰፍሐ ጉጅለ ተማሃሮ ኣገልግሎት ይህብ።  ስለዚ፣ ሓደ ተማሃራይ ን IDEA ዝኸውን ናይ ብቕዓት ረቛሒታት እንተድኣ ኣማሊኡን ን IEP ብቑዕ እንተኾይኑን፣ እቲ ተማሃራይ ብክፍሊ 504 እውን ይሕሎ። ግን፣ ብዙሓት ተማሃሮ ብክፍሊ 504 ዝሕለዉ ኣለዉ፣ ከምኡ’ውን ናይ ክፍሊ 504 ውጥን እዉን ኣለዎም፣ ግን ከኣ ፍሉይ ትምህርቲ ኣየድልዮምን እዮም ከምኡዉን ብመሰረት IDEA ንIEP ብቑዓት ኣይኮኑን። 

ሓደ ካብቲ ብዛዕባ ርክብ ክልቲኦም ሕግታት ክትሓስበሉ እትኽእል መንገዲ ንኹሎም ተማሃሮ ምሕሳብ እዩ፦ ቀዳማይ፣ ገለ ካብቶም ተማሃሮ ስንክልና ኣለዎም (ክፍሊ 504)፤ ገለ ውሑዳት ካብቶም ተማሃሮ ስንክልና ዘለዎምን ፍሉይ ትምህርቲ (IDEA) ዘድልዮምን እዩ።

ኣብ ላዕሊ ንኹሎም ተምሃሮ ዝውክል ዓቢ ዓንኬል ዘለዎ ስእሊ ኣሎ። ኣብ ውሽጢ እቲ ዓቢ ዓንኬል ዘሎ ማእከላይ ዓንኬል ነቶም ስንክልና ዘለዎምን ንኣገልግሎት ክፍሊ 504 ዝበቕዑን ተማሃሮ ዝውክል እዩ።  ካብቲ ጉጅለ፣ እቲ ንእሽቶ ጉጅለ እውን ብመሰረት IDEA ንኣገልግሎት ብቑዕ እዩ። ኣብዚ ግራፍ ክትዝክሮ ዘለካ ቐንዲ ነገር፣ ኣብተን ንኣሽቱ ዓንኬላት ዘለዉ ተማሃሮ እውን ኣካል ናይቲ ዓቢ ጉጅለ ምዃኖም እዩ፣ ኩሎም ተማሃሮ። ኩሎም ከም ኩሎም ተማሃሮ፣ ተወሳኺ ስንክልና ስለዘለዎም ካብ ኣድልዎ ዝግበር ሓለዋታት፣ ኣብ ቤት ትምህርቲ ንምስታፍ ዘድልዮም ኣገልግሎታት ምርካብ ሓዊሱ ሓደ ዓይነት መሰላት ኣለዎም።

ብዓንቀጽ 504 ዝተሓለዉን ንIEP ብቑዓት ዝኾኑን ተማሃሮ ብሓፈሻ IEP ጥራይ ክህልዎም እዩ። ኩሉ ኣብ ውጥን 504 ዝህሉ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ገጽ መንበሪ ኣባይቲ ወይ ኣብ ዝርዝር ተዛመድቲ ወይ ተወሳኺ ኣገልግሎታት ወይ ደገፋት ኣብ IEP ክጥቕለል ኣለዎ።

ኩሉ ንIEP ብቑዕ ዝኾነ ህጻን ብዓንቀጽ 504 እውን ዝተሓለወ እዩ። እዚ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ዓንቀጽ 504 ኣብ ልዕሊ ተምሃሮ ብሰንኪ ስንክልና ኣድልዎ ምፍጻም ዝኽልክል እዩ። ሓደ መደብ ስንክልና ስለዘለዎም ብኻልእ መገዲ ብቑዓት ንዝኾኑ ተማሃሮ ከግልል ከሎ፣ ወይ ሓደ ተማሃራይ ብሰንኪ ስንክልናኡ ክግፋዕ ከምኡዉን ሓደ ኣውራጃ ነቲ ምግፋዕ መልሲ ንምሃብ ርትዓዊ ስጉምቲ ምስ ዘይወስድን ኣድልዎ ከጋጥም ይኽእል።

ሓደ ኣውራጃ ብሰንኪ ስንክልና ንሓደ ሰብ ኣድልዎ ገይሩ እዩ ኢልኩም እንተኣሚንኩም፣ ብዛዕባ ኣማራጺታት ወግዓዊ ጥርዓናት ዝያዳ ሓበሬታ ኣብ ገጽ Discrimination ናይ ኣድልዎ ርኸቡ።